ኤርትራዊ/ት

ኤርትራዊ/ት ዝብል መጸውዒ ሓሳብ (ወይ ኣምር) ብኸመይ ኣብ ሕብረተሰብና ቅቡል ክኸውን ክኢሉ?

መቸም እንዳ ሻዕብያ “ኣምላኽ ኣምላኽ” ወይ ከኣ “ይከኣሎ ይከኣሎ” ክጻወቱ ስለ ዝደልዩ፡ ሳላና ዶ ዋላ ሳላ ስውኣትና ኤርትራዊ ክትበሃል ክኢልካ ‘ዮም ዝብሉኻ። “ኩሉ በኣና ኾነ” ንምባል እዩ።

ታሪኾም ዘይፈልጡ ኸኣ ኣለው። ኤርትራዊ ዝበሃል ነገር ካብ ጥንቲ፡ ዓለም ክትፍጠር ከላ ዝተፈጥረ ሓሳብ ጌሮም ከቅርቡ ዝፍትኑ። መቸም ታሪኽካ ዘይምፍላጥ፡ መንነትካ ዘይምፍላጥ እንድዩ፡ እዝኦም ድማ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ‘ዮም።

ግን እቲ ሓቂ ኣየናይ እዩ?

ቅድሚ ፈደረሽን፡ ኤርትራዊ/ት ዝበሃል ነገር ኣብ ሕብረተሰብና ተቀባልነት ኣይነበሮን።

ልክዕ፡ ኣሽሓት ኢጣልያውያን ነበርቲ ኤርትራ ኔሮም እዮም። ግና ‘ኸ፡ ዋላ ‘ኳ እታ ኤርትራ ባዕሎም ኢጣልያውያን ሰኒዖም ሰናኒዖም ዝሰርሕዋ ርእሳ ዝኸኣለት ጅኦግራፍያዊትን ፖለቲካውን ኣካል እንተ ኾነት፡ “መን ኢኹም” እንተ ኢልካውዮም ግን፡ ኢጣልያውያን እምበር ኤርትራውያን ዝብሉ ኣይነበሩን። ኣብዞም ሰባት እምበኣር፡ እቲ ኤርትራዊ ዝብል ኣምር ተቀባልነት ኣይነበሮን።

ኣብቶም ደቀባት (native) እንተ ሪኢና ‘ውን፡ ተመሳሳሊ ነገር ንረክብ። ኤርትራ ዝበሃል ሓሳብ፡ ነገር ባዕዲን ፈረንጅን እምበር፡ ንዓኦም ዝምልከትን ዝቅበልዎን ኣይነበረን።

ህዝቢ ከበሳ ምስ ሓበሻን ንግስነት ሓበሻን ነብሱ ዝቆጽር ዝነበረ እዩ። ኤርትራዊ ዝበሃል ነገር ተረዲኡዎን ተቀቢልዎን ኣይፈልጥን።

ኣብ ኣርባዓታት፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ይውሰነሉ ኣብ ዝነበረ ህሞት፡ ዳርጋ ኹሉ ደጋፊ ሕብረት ዝነበረ እዩ። ወረ ንልኡኻት ሕቡራት ሃገራት ‘ሲ፡ “ኢትዮጵያውያን ምኳንና እንዳ ፈለጥኩን፡ መን ትደሉ ኢልኩም ኣይትሕተቱና” ዝብል ዝነበረ ህዝቢ እዩ። (ስእሊ ርአ)

demo.unionist

እቲ መታሕት ‘ውን ከምኡ ከም ዝነበረ እዩ ዝፍለጥ። ብእንዳን ቀቢላን ደኣ እምበር፡ ብመልክዕ ኤርትራዊ/ት ነብሱ ዘፋልጥ ኣይነበረን።

እቶም “ኤርትራዊ/ት እየ” ዝብሉ ዝነበሩ፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣዘራርባ፡ “ጥልያን ዘሓንቀቀቶም” ወይ “ካልቾ ጣልያን ዝለመዱ ወይ ዝናፈቁ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ነበሩ። ገለ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ወይ ሓደ ሓደ ዓሳክር ጣልያን ኮይኖም፡ ብቁጽሪ ‘ውን ብዙሕ ከም ኣገደስቲ ባእታ ክትጽብጽቦም ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ፈደረሽን ግን፡ ነገራት ተቀይሩ። እቲ ኤርትራዊ/ት ዝብል ኣምር፡ ብኹሉ፡ እንኮላይ ብደቀባት ተቀባልነት ክረክብ ክኢሉ። ብሰንኪ ክልተ፡ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ረቋሒታት ‘ዩ ኸኣ።

1) ሕብረተሰብና ንውሳኔ ፈደረሽን ምቅባሉ እቲ ሓደ ረቋሒ እዩ። ነቲ ውሳኔ እንተ ዝነጽጎ፡ ዝተፈልየ መስርሕ ታሪኽ ምተኸስተ። ናጽነት ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ፡ ምንቅሳቃስ ሕብረት (ኣንድነት) እቲ ዝሓየለን ዝበዝሐ ስዓብን ስለ ዝነበሮ።

ሓደ ካብቶም ክልተ ኣገደስቲ ሓይልታት፡ ካብ ሕብረትን ራቢጣን፡ “እምቢ ንፈደረሽን” እንተ ዝብል፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ድያ ኣብ ሰለስተ ተኸፊላ፡ እቲ ኤርትራዊ/ት ዝብል ሓሳብ ‘ውን ፍጹም ህይወት ኣይምረኸበን። ናይ ባዕድን ፈረንጅን ሓሳብ ኮይኑ ምተረፈ። ህጣሙ ‘ውን ብኡ ኣቢሉ ምስ ጠፍአ።

ግና ‘ኸ፡ ክልቲኦም፡ ሕብረትን ራቢጣን፡ ዋላ ‘ውን ሕብረተሰብና ብዓቢኡ፡ ብፍታዎም ንውሳኔ ፈደረሽን ተቀቢሎሞ ‘ዮም። ዝነጸጎ ኣካል የለን። እቲ ኤርትራዊ/ት ዝብል ሓሳብ ኸኣ፡ ክሰርር ኪኢሉ።

2) ካብ ምቅባል ንውሳኔ ፈደረሽን ንላዕሊ ግን፡ ሕብረተሰብና፡ ንኤርትራዊ/ት ዝብል ሓሳብ፡ ንኽቅበሎን ክርዕሞን ዘረጋገጸ፦
(ሀ) ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ወከልቱ መሪጹ ባይቶ ፈደረሽን ምቋሙ፡
(ለ) ኣብ ባይቶ ‘ውን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ዝተፈልየት ባንዴራ ኤርትራ(ባንዴራ ኣውሊዕ) ሒዙ ክወጽእ ምኽኣሉ እዩ።

ባይቶ ፈደረሽን፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይተመርጸ፡ ሕጋውነት ዝተነፍጎ ባይቶ እንተ ዝነብር፡ እቲ ታሪኽ ካልእ ምኾነ። ሕብረተሰብና ወከልቱ ባዕሉ፡ ብናጻ ስለ ዝመረጸ፡ ዝወሰንዎን ዘጽደቅዎን ሓሳብ ይኹን ባንዴራ ክቅበል ድማ ናይ ግድን ኮነ።

ንፈደረሽን ምቅባል ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ተወሳኺ፡ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብ መስርሕ ምቋም ፈደረሽን፡ ወሰንትን ኣጽደቅትን ተራ ምጽዋቶም፡ ንኤርትራ ከም ርእሳ ዝኸኣለት ጅኦግራፍያውን ፖለቲካውን ኣካል ተቀቢሎማ ማለት እዩ። ፍልይቲ ባንዴራ ሒዞም ምቕራቦም ድማ፡ ነቲ ኤርትራዊ/ት ዝብል ኣምር፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዝያዳ ተቀባልነት ንኽረክብ ኣረጋጊጹ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ባዕዳዊ ናይ ፈረንጂ ሓሳብ፡ ኣቦታትና፡ ብመገዲ ባይቶ ፈደረሽን፡ ስጋ ኣልቢሶም ናይ ባዕሎም ጌሮሞ። ናይ ባዕልና ድማ ኾይኑ።

እምበኣርከስ፡ ኤርትራዊ/ት ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ፈደረሽን ብወግዒን ብሕጋውን ኣገባብ፡ ብሕብረተሰብና ተቀባልነት ዝረኸበ ኣምር እዩ። ብድሕሪ ‘ዚ፡ ፈደረሽን ይቀጽል፡ ዋላ ሕብረት ይኹን፡ ናጽነት ዋካ ኮንፈደረሽን፡ ኩሉ ናይ ምምሕዳር ጉዳይ እምበር፡ ምስ ኤርትራውን ዘይኤርትራውያን ዝብል ኣምር ዘራኽብ ዋላ ሓንቲ የብሉን።

ኣብ እዋን ፈደረሽን “ኤርትራውያን ኢና” ንብል ኔርና። ኣብ እዋን ሕብረት ‘ውን ከምኡ። ሎሚ ኣብ ናጽነት ‘ውን “ኤርትራውያን ኢና” ንብል ኣለና። በብእዋኑ ምምሕዳራት ደኣ ተቀያይሩ እምበር፡ ኤርትራውያን ምኳንና ዘይምኳንን ‘ሲ ዝተቀየረ ነገር የለን።

እቲ ናይ 1993 ሪፈረንደም ‘ውን፡ “ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከውን ትደሊ ‘ዶ ኣይትደልን” ዝብል ምርጫ ዝነበሮ ደኣ እምበር፡ “ኤርትራዊ/ት ክትከውን ትደሊ ‘ዶ ኣይትደልን” ዝብል ኣይነበረን። ክነብር ‘ውን ፍጹም ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ድሮ ኣብ ፈደረሽን ብኣቦታት ኤርትራ ዝተውሰነን፡ ብማሕበረ-ሰብና ድማ ተቀባልነት ዝረኸበን ጉዳይ ስለ ዝኾነ።

እምበኣርከስ፡ እቲ ሪፈረንዶም፡ ናይ ኤርትራውን ዘይኤርትራውን ጉዳይ ኣይኮነ፡ ናይ ባንዴራ ‘ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ናይ ምምሕዳር ምርጫ ጥራይ እዩ ኔሩ – ኤርትራስ፡ በይና ዶ ትኹን ዋላስ ኣይትኹን ዝብል ምርጫ ጥራይ እዩ ኔሩ።

ስለዚስ፡ እዚ እንዳ ሻዕብያ “ንሕና ኤርትራውያን ጌርናኩም” ዝብልዎ ዘረባ፡ ጽጽዋይ ደኣ ምበር፡ ዋላ ሓንቲ ሓቅነት የብሉን።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s