እንታይ እዩ ተዋሒሱ? ናጽነት ዋላ ባርነት?

col.own.lang

እንታይ እዩ ተዋሒሱ? ናጽነት ዋላ ባርነት?

ሕብረተሰብና፡ ካብ ገድሊ ሻዕብያ፡ ዝኸሰሮ እምበር፡ ዝኸሰቦ የለን። ጌና ድማ ይኸስርን ይጠፍእን ኣሎ። እዚ እቲ ዘይከሓድ፡ ኣብ ባይታ ዝነበረን ዘሎን ሓቂ እዩ።

“ናጻነት ኣውሕሰ”። ናጽነት ከም መኽሰብ እንድዩ ተወሲዱ፡ ግን እንታይ እዩ ናጽነት? እንታይ እዩ ‘ኸ እቲ ጥቅሙ? ድራር ስድራ ይኸውን ‘ዶ?

እቲ “ናጽነት” ተባሂሉ ብልምዲ ዝጥቀስ እኮ፡ ብተግባር ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ማለት እዩ። ካልእ ወላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን።

ወያነን ሻዕብያን ተሓጋጊዞም ንደርጊ ስዒሮሞ። ካብ መግዛእቲ ደርጊ ኸኣ፡ ናብ መግዛእቲ ሻዕብያ ተሰጋጊርና።

እቲ ሃገር ቀደም ኔሩ። ሕጂ ‘ውን ኣሎ። ቀደም ከም ክፍለ-ሃገር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ መንግስቱ ኔሩ። ሎሚ ድማ ምምሕዳሩ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልዩ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢሰያስ ይርከብ። እምበኣርከስ፡ ለውጢ ገዛእን ምምሕዳርን ጥራይ እዩ ተፈጺሙ።

ለውጢ ምምሕዳር እሞ እንታይ ዓቢ ነገር ኮይኑ እዩ? እቲ ኣገዳሲ፡ ኣብ መነባብሮ ሕበረተሰብና እንታይ ለውጢ ኣኸቲሉ ዝብል እዩ። ምምሕዳር ‘ሲ ተቀይሩ፡ መግዛእቲ ግን ኣብቂዑ ‘ዶ?

ልክዕ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት መንግስቱ ጭቆና ኔሩ። ኣብ ትሕቲ ተጋደላይ ኢሰያስ ግን፡ ዝኸፍአ ህልም ዝበለ ጸልማት ባርነት።

እቲ “ኣውሒሰ” ዝበሃል ዘሎ እምበኣር፡ ባርነት እንተ ኾይኑ፡ እወ ቅኑዕ እዩ። ባርነት ተዋሒሱ እዩ። ናጽነት ዝብል መሸፈኒ ዝተገብረሉ ባርነት።

ስለዚ፡ ኢሰያስ ጥራይ ኣይኮነን ክእለ ዘለዎ፡ ባርነት ድማ ምሉእ ብምሉእ ከብቅዕ ኣለዎ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ እዚ ዳሕረዋይ እምበር፡ እቲ ቀዳማይ ደኣ ዝተፈልጠ ነገር እንዳ ኣሉ።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s