ሆይ ሆይታ ኤርትራውያንን፡ ቪድዮ ቢተወደድ ኣብርሃን 

.. ወሰደ ቢተወደድ በዓል ስረ ክበሃል ንዕዘብ። እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡዝብል ሕቶ ንኸተቅርብ ውን ትግደድ። መልሲ ክትረክብ የማነ ጸጋም ምባል ዘይተርፍ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሱቅ ኢልካ ሆ ምባል፡ ማዕረ ኽንደይ ጎዳኢ ምኳኑ ብሩህ ስለ ዝኾነ።

ካብ ታሪኽና ንመሃሮ እንተሃልዩ፡ ሕብረተሰብና ሆ ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ ንጽባሒቱ ድሃያ ክኣቱ ጥራይ እዩ። ስለዚ ሆ ይብሉ ኣለው ኢልካ ሆ ምባል ኣድላዩ ኣይመስልን። ድንቁርና ውን ክኸውን ይኽእል። በንጻሩ፡ ርግእ ኢልካ ደቂቅ መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሆ ዘብል ዘሎ ጉዳይ፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ኣብ ከባቢ 1998፡ ንደቂ ዓዱ (ደቂ ዓዲ መንጎቲ) ኣኪቡ ዝሃቦ መደረ ዝምልከት እዩ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲሻዕብያ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኸውን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ተፈቲሑ ዝሃቦ ቃል እዩ።

ብልክዕ ቢተወደድ ዝሃቦ መደረ እንታይ ከም ዝነበረ ዝገልጽ መርትዖ ኳ እንተ ዘይጸንሐ፡ መደረ ከም ዘስምዐን፡ ብሰንኪ ቲ መደረ ድማ፡ ደጊሙ ኣደዳ መጭወይቲ ሻዕብያ ከም ዝኾነ፡ ብሰፊሕ ዝንገር እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ትሕዝቶ ቢተወደድ ዘቅረቦ መደረ፡ ብመልክዕ ቪድዮ፡ ብመገዲ ኤልሳ ጭሩም ተዘርጊሑ ይርከብ። እቲ ኹሉ ሆይ ሆይታ እምበር፡ ምዝርጋሕ ናይዚ ቪድዮ ኣጋጣሚ ዝገብር እዩ።

እቲ ቪድዮ ሓቀኛ (authentic) ድዩስ ዝተሰንዐ ፡ ብጭቡጥ ዛጊት ኣየረጋገጽኩን። እቲ ሰብ ብቀንዱ ቢተወደድ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለው። ሓቀኛ ክስተትን ድራማዊ ትሕዝቶን ሓዋዊሱ ዝተመስርሐ ልቢወለዳዊ ስራሕ እዩ ዝብሉ ውን ኣለው። ምሉእ፡ ጎደሎ ዘይብሉ፡ ሓቀኛ ጸብጻብ እዩ ዝብሉ ውን ረኺበ።

ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ሓቅነቱ ከተረጋግጽ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ፡ እቲ ተዛሪቡ ዝበሃል ሰብ፡ ነብሱ ክገልጸሉ ኣብ ዘይክእለሉ ሃዋሁ እንዳሃለወ። እቶም ሓቀኛ ወይ ስኑዕ ዝብሉ ዘለው ሰባት፡ ነቲ መርገጺኦም ቅቡል ንክኸውን ዘቅርብዎ ሓሳባት ብጭቡጥ መርትዖ ዘሰኒ የለን።

ሓደ ሰብ፡ ወዲ ዓዲ ሞንጎቲ ይኹን ቤተሰብ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብኡ ኔረክብለካ ይኽእል እዩ። ግን ብሓቂ ኣብኡ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቅርብ ይኽእል ድዩ? ምናልባት ንኻልእ ዘይተፈልጠ ረብሐ ክብል ሕስው ኣቢሉ ሓቀኛ እዩወይ ስኑዕ እዩይብል እንተ ሃለወ ብኸመይ ክረጋገጽ ይኽእል?

ከምዚ ዓይነት ጉዳይ፡ ሓደ ሰብ ስለ ዝበለ ወይ ክልተ ሰለስተ ሰባት ስለ ዝመስከሩ ጥራይ ኣይኮነን ሓቅነቱ ወይ ስኑዕ ምኳኑ ክረጋገጽ ዝኽእል። ዕሙቅ ዝበለ፡ ናጻ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ምስ ዝካየድ ጥራይ እዩ እቲ ሓቂ ኣየናይ ምኳኑ ክፍለጥ ዝከኣል። ንኸምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ዝኸውን ባይታ ድማ ኣብዚ እዋን ዚ የለን።

እምበኣርከስ፡ ሓቅነት ናይቲ ቪድዮ ንኸነረጋግጽ ከንቱ ጻዕርታት ካብ ምክያድ፡ ብቀጥታ ኣብ ትሕዝትኡ ምዝታይ ይምረጽ። ንምንታይ ከ እቲ ቪድዮ ሎሚ ንኽዝርጋሕ ተገይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒካ ውን ሃናጺ ሓሳባት ክትለዋወጥ ትኽእል።

ኣብቲ ቪዲዮ ገለ ሓቅታትን ሰናይ ዝበሃሉ ሓሳባትን ተጠቂሶም ኣለው። ለውጢ ንኸነምጽእ ክንውፈ ከም ዘለና የስምረሉ። ቃልስና ንሓርነት ወዲ ሰብ እዩ ይብል። ብዛዕባ ዕርቅን ምሕረት ምግባርን ውን ይጠቅስ እዩ። ኩሉ እዚ ሰናይ ሓሳባት እዩ። 

ብወገነይ ግን፡ ኣብቶም ሓርነት ዝዕፍኑን፡ ንቃልሲ ሓርነት ውን ንድሕሪት ዝጎቱ ዮም ዝበልክዎም ጥራይ ከተኩር እየ።

ገለ ገለ ሓሳባት፡ ሰናይ እንዳ መሰሉ፡ ብልክዕ ግን ስውርን ኣዕናውን መልእኽቲ ዮም ዘሕልፉ። ገለ ኸኣ ንሓድ ሕዶም ዝጋራጮ መልእኽቲ ዝሓዙ ኮይኖም፡ ንቃልሲ ሓርነት ኣዛቢዖም ኣብ ክቱር confusion ክኸቱ ዝኽእሉ እዮም። ብሓቂ ዕሙቅ ዝበለ ኣናብባ ዮም ዝጠልቡ። ንምንታይ እዚ ቪዲዮ ሎሚ ንኽዝርጋሕ ተጌሩ ንዝብል ሕቶኸኣ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መልሲ ከቅርቡ ይኽእሉ ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ቅድም ኢሉ ውን ከም ዝተገልጸ፡ ኣፈይ መሊአ ቢተወደድ ኢሉክብል ኣይደልን። ምክንያቱ፡ ዘይበሎ እንተ ኾይኑ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊኡ ምፍጻም ስለ ዝኾነ። ስለዚ፡ ዝኾነ ሓሳብ፡ ቢተወደድ ከም ዝበሎ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ቪዲዩ ከም ዝተጠቅሰ ጌረ ከቅርቦ ይመርጽ። 

1ይ፡ ንዕርቅን ምሕረትን ዝምልከት

እቲ ቪድዮ ብዛዕባ ዕርቅን ምሕረትን ጸቂጡ ይዛረብ። ንበዓል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማንደላ ውን ከም ኣብነት ይጠቅስ ። ብርግጽ ዕርቅን ሕድገትን ሰናይ ሓሳባት እዩም። ጥልቅ ኢልካ ምስ ትምርምሮ ግን፡ ንቃልሲ ሓርነት ሕርሕራይ ጌሩ ክኸፋፍልን፡ ምሉእ ብምሉእ ውን ክድህኽ ዝኽል፡ ስውር ኣዕናዊ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝተጎድአ ወይ ጭቁን ወገን ዕርቂ ንኽጠልብ ዝድርኽ ስለ ዝኾነ።

ንደቡብ አፍሪቃ ይኹን ማንዴላ ከም ኣብነት እንዳ ጠቀስካ፡ ዕርቂ ሕድገትን ምሕረትን ሰናይ ምኳኑ ንምግላጽ ዝግበር ጻዕሪ ዝተለምደ እዩ። ማንዴላ ግን፡  ንጠለብ ዕርቂ ደኣሎም ተቀቢሎም እምበር፡ ባዕሎም ዕርቂ ኣይጠለቡን። ከም ተቃላሳይ ሓርነት፡ ዕርቂ ክጠልቡ ውን ኣይትጽበዮን። ኣይግባእን ውን።

ስርዓት ኣፓርታይድ ናብ ዕርቅን ሕድገትን ዘምርሕ ተግባራዊ ተበግሶ እንተ ዘይወስድ፡ ማንዴላ ዕርቂ ክቅበሉ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ እዩ።

ንኹሉ እሱር ብምፍታሕ፡ እንኮላይ ንማንዴላ ብምፍታሕ፡ ጨፍላቂ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ድሌቱ ዕርቂ ምኳኑ፡ ምሕረት ውን ክግበረሉ ከም ዝደሊ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። ነዚ ሰናይን ግብራውን ተበግሶ ስርዓት ኣፓርተይድ ዕሽሽ ብምባል፡ ማንዴላ ናይ ዕርቂ ሰብ ዩም ምባል ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ውን እዩ።

መራሒ ስርዓት ኣፓርተይድ፡ ኤፍ ደክለርክ፡ ተዓዋቲ ኖብል ሽልማት ክኾኑ ዝበቅዑ፡ እሞ ክሳብ ሎሚ ተኸቢሮምን ተሓፊሮምን ዝነብሩ ዘለው፡ በቲ ሽዕ ዝወሰድዎ ንዕርቂ ዝዕድምን ዘተባብዕን፡ ተባዕ ተግባራዊ ተበግሶ እዩ። ኣብዚ እቲ ተግባራዊዝብል ቃል ክስመረሉ ይግባእ።

ንማንዴላ ዓቢ ኣቦ በዓል ልቦና ዝገብሮም ረቋሒ፡ ንኹሉ ዝሓለፈ መከራን ጭቆናን ህዝቦም ንድሕሪት ገዲፎም፡ ንጠለብን ተበግሶን ዕርቂ ጮቋኒ ስርዓት ኣፓርታይድ ክቅበሉዎ ምምራጾም እዩ። ብሓጺሩ ንጮቆንቶም ምሕረት ክገብሩ ፍቃደኛ ብምኳኖም እዮ።

ኣብዚ ብቀሊሉ ክጉሰ ዘይብሉ ሓቂ ኣሎ። ማንዴላ ንጨቆንቶም ንዑ በጃኹም ምሕረት ክገብረልኩም ኢሎም ኣይለመንዎምን። እንታይ ደኣ፡ ጮቆንቶም እዮም ምሕረት ክግበረሎም ዝጠለቡ፡  ብግብሪ ውን ኣመስኪሮም እዮም።

ዕርቅን ምሕረትን ብተበግሶኡ ዘይጠለበ ዓማጺ ውገን፡ ክትዕረቆን ምሕረት ክትገብረሉን ኣይትኽእልን። ክገብረሉ እየ ወይ ጌረሉ እንተ በልካ ውን፡ ዕሽነትካ ጥራይ ዩ ዘነጽር።

ተቃላሳይ ሓርነት፡  ስርሑ ምቅላስ ኣንጻር እቲ ዓማጺ ስርዓት ጥራይ እዩ። ጉዳይ ዕርቅን ምሕረትን ንተቃላሳይ ሓርነት ዝምልከት ኣይኮነን።

ሻዕብያ ይኹን ኢሰያስ፡ ክሳብ ንዕርቅን ምሕረትን ዘይጠለቡ፡ ንዕርቂ ዘተባብዕ ውን ተግባራዊ ተበግሶ ዘይወሰዱ፡ ተቃላሳይ ሓርነት ብዛዕባ ዕርቂ ዘዛርብ ዋላ ሓንቲ የብሉን። ኣይግባእን ውን። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ዕርቂን ሕድገትን ምዝራብ፡ ቃልሲ ሓርነት ንኽጓጃጀል ዝዕድም ስለ ዝኾነ።

ተወሳኺ ክንጽር ዘለዎ ነጥቢ ውን ኣሎ። ንማንዴላ ጥራይ ካብ እስርቤት ብምፍታሕ ዕርቂ ንግበር ክትብል ዝከኣል ኣይኮነን። ማንዴላ ውን ከምኡ ዓይነት ጠለብ ከም ዘይቅበሉ ብኣጋኡ መርገጺኦም ኣነጺሮም እዮም። ምኽንያቱ፡ ማንዴላ ናይ ህዝቦም መራሒ ደኣ እምበር፡ ናይ ውልቆም ኣይነበሩን። ስለ ዝኾነ እዩ ኸኣ፡ ኩሉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እሱር ንኽፍታሕን ናጻ ክልቀቅን ዝተገብረ።

ኣብዚ ናይ ቢተወደድ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ቪድዮ ግን፡ ዋላ ኳ ኣብቲ ቪድዮ ከም ኣብነት ተመክሮ ማንዴላ እንተ ተጠቅሰ፡ እቲ ንሱ ዕርቅን ምሕረትን ኢሉ ዘቅርቦ ሓሳባት፡ ምሉእ ብምሉእ ንተመክሮ ቃልሲ ማንዴላ ዝጻረር እዩ።

እቲ ጨቆኒ ወገን (ማለት ሻዕብያ ወይ ኢሰያስ) ንዕርቅን ሕድገትን ዝዕድም ወላ ሓንቲ ተበግሶ ዘይወሰደ ክነሱ፡ እቲ ጭቁን ወገን ዕርቂ ከም ዝተቀበለን ምሕረት ከም ዝገበረን ዘርኢ ዘሕፍር ስእሊ እዩ።

ኣብቲ እዋን እንተኾነ፡ ቢተወደድ ጥራይ ደኣሉ ዝተፈትሐ እመበር፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ትሕቲ መሬት ሻዕብያ ይሳቀዩ ከም ዝነበሩ ንማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ተፈቲሑ፡ ዕርቅን ሕድገትን እንተ ተቀበለ ወይ እንተ ሃበ፡ እቲ ሰብ ናይ ውልቁ ደኣምበር፡ ከም ማንዴላ ናይ ህዝቢ ከም ዘይኮነ እዩ ዘነጽር። 

ንዕርቂ ዝምልከት መልእኽቲ እንተኾነ፡ እዚ ቪድዮ ንምንታይ ኣብዚ እዋን ተዘርጉሑ ንዝብል ሕቶ መልሲ ከቅርብ ይኽእል እዩ።

ተቋወምቲ ኢሰያስ ኢና ዝብሉ ምሁራት ሻዕብያ ዝመርሕዎ ጉጅለ፡ ዕርቂ (reconciliation) ዝብል ፕሮጀክት ኣበጊሶም ይንቀሳቀሱ ከም ዘለው ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ዕርቂ ምስ ኢሰያስ ምኳኑ እዩ። ነቲ ምስኪን ተራ ኣባሎም ግን፡ ጽገናምኳኑ እዩ ዝፈልጥ።

ወነንቲ ፕሮጀክት ዕርቂ፡ ሓደ ስኽፍ ካይበሎም ዝፍንውዎ ነጥቢ ኣሎ። ተቋወምቲ ክሳብ ሕጂ ከድምዑ ዘይከኣሉ፡ ዕርቅን ሕድገትን ክጠልብ ዝኽእል ልቦና ስለ ዝጎድሎም እዩብምባል ንተቋወምቲ ይኹን ነቲ ዝተጎድአ ወገን ገበን ንኸሰክምዎ ከንቱ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብቲ ቪድዮ ቀሪቡ ዘሎ ንዕርቅን ምሕረትን ዝምልከት ዝምቡዕ ሓሳብ ድማ፡ ነዚ ብሽም ዕርቂ ተኸዊሉ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛን ኣዕናውን ስነሓሳብ ምሁራት ሻዕብያ፡ ዝድግፍ እዩ። ኣዕናዊ ዝገብሮ፡ ነቲ እንዳሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ሓርነት ዝኸፋፍል ስለ ዝኾነ እዩ።

እምበኣርሲ፡ እዚ ቪድዮ ዚ፡ ነዚ ስጊንጢር ዝኾነ ስነሓሳብ ምሁራት ሻዕብያ ንምህጣር ተባሂሉ ሎሚ ንኽዝርጋሕ ዝተመርጸ ክትብሎ ትኽእል።

እቲ እኩይ መቸም፡ ሰናይ ቃላት ተጎልቢቡ ደበኽ ከም ዝብል ክዝንጋዕ የብሉን። መዋእሉ ብስም ስውኣት ዝሸቀጠ እኩይ፡ ሸቀጥ ብስም እሱራት ኣይውዕሎን ክትብሎ ኣይትኽእልን።

2ኣይ፡ ጸርፊ ነቶም ኣንጻር ዓመጽ ብረት ከልዕሉ ዝመርጹ ሰባት

ቪድዮ ቢተወደድ፡ ኣብቲ ብረት ዘልዓለ ሰውራ (ገድሊ)፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት፡ እንኮላይ ዓቅመ ኣዳም ዘይበጽሑ ደቂ 15 16 ከም ዘህለቀ ኣይሓብእን። ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ዮ ብምባል ከኣ፡ ከም መግለጺ ጅግንነትን ሓበንን የቕርቦ።

ነቶም ኣንጻር ሻዕብያ ብረት ዘልዓሉ እንተ ኾነ፡ ብረት ዓልዒለ ለውጢ ከምጽእ እየ ዝብል ሓሳዊ እዩብምባል ብትሪ ይኹንን ይጸርፍን። ወሲኹ፡ ብረት ሒዝካ በረኻ ምኽያድ ነዓይ ዓወት ኣይኮነንይብል። ከም ምልክት ጥፍኣትን ዕንወትን ውን የቕርቦ። ብርግጽ ኣብዚ ንሓድ ሕዱ ዝጋጮ ሓሳባት ንዕዘብ። እንታይ ኣድለየ ነቲ ሓደ ከም ናይ ጻድቃናት፡ ነቲ ናይ ሎሚ ከም ናይ ሓሰውቲ መሲሓን ጌርካ ምቅራብ?

ከምዚ ዓይነት ተጋራጫዊ ሓሳባት ኣብ መብዛሕትኡ ኣቀናጃዊ ገድሊ ዝርአ ኮይኑ፡ ብልክዕ ድማ ምልክት ናይ ዘይረግአ ኣእምሮ እዩ። ኣብ መንጎ ሻዕብያውነትን ሰብኣውነትን ሓያል ቃልሲ ዘአንግድ ዘሎ ኣእምሮ። ሎሚ ብረት ምልዓል ምልክት ጥፍኣትን ዕንወትን እንተ ኾይኑ፡ ገድሊ ሻዕብያ ውን ከምኡ ከም ዝነበረ ክስመረሉ ይግባእ።

ብወገነይ ደጋፊ ብረታዊ ቃልሲ ኣይኮንኩን። ብስነኣእምሮኣዊ ደረጃ፡ ምስቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን፡ ንቤተሰብን ባህልን ሕብረተሰብና ዘዕነወን፡ ህይወት ኣሸሓት ቀያሕቲ ውን ዝቀዘፈን ገድሊ ስለ ዘተሓሕዞ፡ ብረታዊ ቃልሲ ክበሃል ከሎ ስኽሕክሕ እዩ ዝብለኒ። ኣብ ልዕሊ እቶም ብረት ከልዕሉ ዝመርጹ ሰባት ጸርፊ ክስንዝር ግን ኣይመርጽን።

ዝኾነ ሰብ፡ ከም ኣገባብ ቃልሲ ብረት ምልዓል ክነጽግ መሰሉ እዩ። ግናኸ፡ ተቃላሳይ ሓርነት ኢየ ኢልካ፡ ነቶም ብረት ኣልዒሎም ሓርነቶምን መሰሎምን ከረጋግጹ ዝመርጹ ሰባት፡ ክትኩንን ይኹን ክትጻረፍ ዋላ ሓንቲ ሞራላዊ ልዕልና የብልካን።

ተቃላሳይ ሓርነት ክትከውን ትኸእል ኢኻ። ተቃላሳይ ሓርነት ኮይንካ ማለት ግን፡ ሓርነትን መሰልን ናይቶም ብረት ከልዕሉ ዝመረጹ ሰባት ኣረጋጊጽካ ማለት ኣይኮነን። ክሳብ መሰሎምን ሓርነቶምን ከተረጋግጽ ዘይከኣልካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ጸርፊ ምዝናብ ምስልዩነትካ ጥራይ እዩ ዘነጽር።

ኣብ ልዕሊ እቶም ብረት ከልዕሉ ዝመርጹ ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው፡ ጸለመን ጸርፍን ድሮ ጸኒሑን ኣሎን። ወነንቱ ተቋወምቲ ኢሰያስ ኢና ዝብሉ ምሁራት ሻዕብያን፡ ንሶም ዝጎትዎም ማሕበራትን ውልቀሰባትን እዮም።

እዚ ቪድዮ እምበኣር፡ ነዚ ስውር ጎስጓስ መራጎዲ ክኸውን ኢሉ ሎሚ ንኽዝርጋሕ ዝተመርጸ ክበሃል ይከኣል።

እዝስ ብስም ቢተውደድ፡ ሞራላዊ ልዕልና ንኸተረጋግጽ ዝግበር ከንቱ ጻዕሪ ዶ አይኮነን?

3ይ፡ መን ዩ ተቃላሳይ ሓርነት?

መቸም ኣብቲ ናይ ቢተወደድ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ቪድዮ፡ መን እዩ ተቃላሳይ ሓርነት መን ከ ኣይኮነን ኢሉ ንኽፈርድ ሕንኽ ዝብል ኣይኮነን። ነቲ ብረት ዘልዓለ ሓሳዊእዩ ዝብል ጸርፊ ድሕሪ ምስካም፡ ሕልፍ ኢሉ ተኣሲርካ ለውጢ ኣምጽእ በልዎይብል።

ስለዝስ፡ ሓደ ሰብ ተቃላሳይ ሓርነት ዝኸውን፡ ሻዕብያ ወይ ኢሰያስ ምስ ዝኣስሮ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ሰብ ተቃላሳይ ሓርነት ክኸውንን ዘይክኸውንን ዝውስን ሻዕብያ ጥራይ እዩ። እንተ ኣሰሮ ተቃላሳይ ሓርነት ይኸውን። ሻዕብያ ክሳብ ዘይኣሰሮ ግን፡ ዝኾነ ሰብ ተቃላሳይ ሓርነት ክኸውን ኣይክእልን። እዚ ስጊንጢር ሓስብ ዚ፡ መስሓቅ እንተ በልናዮ፡ መስሓቅ ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ።

ግደ ሓቂ ክዝረብ እንተ ኾይኑ፡ ስነሓስብ መሰልን ሓርነትን ኣድማሳዊ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ኮይኑ፡ ንሓርነት ደቂ ሰባት ዘደንፍዕ ቃልሲ ከካይድ ይኽእል እዩ። ኣብ ባይታ ብረት ተሓንጊጡ ይሃሉ ዋላ ኣብ ከተማታት ኤውሮፓ ብዘየገድስ፡ ቃልሲ ሓርነት ዋጋ የኽፍል እዩ።

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክእሰር ይኽእል። ተነጽሎን ስነኣእምሮኣዊ መጥቃዕትን ክወርዶ ይኽእል። ኣደዳ ቀጻሊ ምፍርራሕን ራዕድን ክኽውን ይኸእል። ኣብ ልዕሊ ኣባል ቤተሰቡ ሓደጋ ክወርድ ይኽእል። ንብረቱ ክውረስ፡ ከምኡ ውን ሊቸንሳኡ ክስረዝ ይኽእል። ኣብ ውግእ ክክቅተል ይኸእል። ክጭወን ክቅንጸልን ውን ይኽእል።

እዚ ኹሉ ዝጠቀስክዎ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣንጻር ባርባራዊ ስርዓት ዘሎ እዩ። እቲ ብሓቂ ኣንጻር ስርዓት ሻዕብያ ክቃለስ ዝነበረን ዘሎን ወገን፡ በዝን ወድ ኸምዝን ኣደራዕ ይሓልፍ ከም ዘሎ መን ይስሕቶ? ቪድዮ ቢተወድድ እንተኾነ፡ ቢተወደድሲ ነዚ ኹሉ ሓቅታት መስርሕ ቃልሲ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣነ እየ ሞ ተኣሲረ፡ ኣነ ጥራይ እየ ድማ ተቃላሳይ ሓርነትከም ዝበለ የርእየና።

እዋእ፡ እቲ ቢተወደድ ሲ ክሳብ ክንድዚ ድዩ ኣመት ቃልስን ፖለቲካዊ ብስለትን ዘይነበሮ? ኢልካ ንኽትሓትት ትድረኽ፡ ፡  ንሕና ኸ ትማሊ ዲና ተወሊድና፡ ቢተወደድ ዝኣክል ሰብ፡ ምስ ኩሉ ተመኩሮኡ፡ ከምዚ ኢሉ ኢልና፡ ብዘይ ሕቶ ሱቅ ኢልና ክንኣምን?

እዚ እዩ ድማ ሓደ ካብቶም ምኽንያታት፡ ነቶም ነቲ ቪድዮ ስኑዕ ዶ ዋላስ ድራማ ወይ ውን doctored ዝብልዎ ዘለው ሰባት ዝያዳ ንኽትኣምኖም ትድረኽ።

ብቀንዱ እዚ ቢተወደድ ኢልዎ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ሓረግ ሓድሽ ኣይኮነን። ዝነበረን ዘሎን እዩ። ሻዕብያን ሃሱሳቱን፡ ነቶም ኣንጻሩ ዝቃላሱ ዘለው ወገናት፡ ተቃለስቲ ከም ዘይኮኑን ከም ዘይረብሑን ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ሜላ እዩ። ንምንእኣስን ምቁንጻብን ተቃለስቲ ሓርነት ዘገልግል ሓረግ እዩ።

እምበኣርከስ፡ እቲ ቪድዩ ንምንታይ ተዘርጊሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ዋንኡ መን ምኳኑ ውን ንኸተለልዩ ከቢድ ኣይኮነን።

መዋእሉ ብስም ስውኣት ዝሸቀጠ እኩይ፡ ሸቀጥ ብስም እሱራት ኣይውዕሎን ዩ ዝብል መን እዩ?

4ይ፡ ንሕጊ ፍራሕ፡ ንዝግሄር ፍራሕ

መብዛሕትና ዘይነስተውዕለሉ፡ ኢሰያስ ወይ ሻዕብያ፡ ንሰባት ካይተፈለጦም ኣብ ትሕቲኦም ንኽንብርከኹን ገላዩ ክኾኑን ዝጥቀምሉ ስውር ሜላ ኣሎ። መቸም እቲ እኩይ፡ ሰናይ ቃላት ተጎልቢቡ ደበኽ ከም ዝብል፡ ቅድም ክብል፡ ኣዘኻኺረ ኔረ።

ሻዕብያ ዝጥቀመሉ ታክቲክ ንኽትርድኦ ከቢድ ኣይኮነን። ሰናይ ፍልስፍናዊ ቃላት ወይ ሃይማኖታዊ ማእዝን ዘለዎ ሰናይ ሓሳባት ኣሰኒኻ፡ ንህዝቢ ዘምበርክኽን ዘርዕድን ሓሳባት ምዝርጋሕ። ህዝቢ ውን ብወገኑ ነቲ መርዛምን መጥፊኢኡን ቃላት ካይተፈለጦ ንኽውሕጦ ምቕሳብ።

ምስዚ ዝተሓሓዝ፡ ሻዕብያ ስልጣኑ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ውን ጊላነት ንኽነግስ፡ ዝተጠቀመሎም ቃላትን ሓረጋትን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከም ኣብነት፡ ንሃገራዊ ባርነት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ሰናይ ቃል ከም ዘጠመቆ ምዝካር የድሊ።

ንሰብ ኣይትፍራሓዮ፡ ንሕጊ ፍራሕ፡ ንዝግሄር ፍራሕይብል ኣብቲ ቢተወደድ ኢልዎ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ቪድዮ። ብመንጽር ሃይማኖታዊ እምነት፡ ንዝግሄር ምፍራሕ ቅቡልን ሰናይን እዩ። ምስዚ ሰናይ ነገር ሕውስ ኢሉ ግን፡ እቲ እኩይ ደበኽ ይብል። ሕንኽ ካይበለ፡ ሕጊ ውን ክፍራሕ ይጠልብ።

ሕጊ ይኽበር እምበር፡ ከም እዝጊሄር ክፍራሕ ኣይግባእን። እሱ ኸማን ፍትሓዊ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ዘይፍትሓዊ ሕጊ እንተ ኾይኑ፡ ክጥሓስ ዩ ዝግባእ። ተቃላሳይ ሓርነት ድማ፡ ክጥሕሶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ከፍርሶ ኸማን ቃይደቀሰ ክሓድር ኣለዎ።

ንሕጊ ኣልዒልካ ክዝረብ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብና እቲ ዝዓበየ ጉድኣት ዘውረደን ዘውርድ ዘሎን ሕጊ፡ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት 82/95 እዩ። ብሓቂ እዚ ኣዋጅ ዚ፡ ተመሊስኩም ምስ ተምበብዎ፡ ዘስካሕክሕ ናይ ባርነትን ጥፍኣትን ሕጊ እዮ። ኩሉ እቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብና ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ኣበሳታት፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ስነሓሳብ ገድሊ (ወይ ሰውራ) ምርኩስ ጌሩ ዝተወቅረ ሕጊ እዩ።

ሕጊ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍራሕን ክኽበርን ኣለዎ ድዩ? ኣይፋሉን፡ ክጠሓስን ክፈርስን እባ ኣለዎ። ኤርትራዊ ድማ ብመልክዕ ምኹብላል ድዩስ ስግረዶብ ዋላስ ፍያካ ብምግባር ሕርሕራይ ጌሩ ክጥሕሶ ጸኒሑን ኣሎን። እንቋሰይ ድማ ገበሮ። ምኽንያቱ፡ ሕጊ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሕጊ ባርነት ስለ ዝኾነ።

እቲ አዋጅ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ክኽበር የብሉ ክፍራሕ። እንታይ ደኣ፡ ክጠሓስን ከብቅዕን ጥራይ እዩ ዘለዎ።

ንሕጊ ፍራሕ ማለት፡ ንሕጊ ኣዋጅ ሃገርዊ ኣገልግሎትን፡ ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ሕግታት ሻዕብያ ፍራሓዮም ማለት እዩ። ነዚ ሕጊ ዚ ምፍራሕ ማለት ድማ፡ ንሻዕብያን ኢሰያስን ምፍራሕ ማለት እዩ። ምኽንያቱ፡ ብቀንዱ እቶም ሕግታትን ኣዋጃትን ናይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ደኣምበር፡ ብፓርላማ ዝጸደቁ ናይ ህዝቢ ኣይኮኑን።

እምበኣር እዚ ቢተወደድ ኢልዎ ዝበሃል ንሕጊ ዝምልከት ሓረግ፡ ፍርሒ ዝዘርእ ደኣምበር፡ ሓርነት ዘልብስ ኣይኮነን። እቲ ዝገርም፡ ኣብ መእተዊ እቲ ቪድዮ ንኽቀርብ ምግባሩ እዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢሉ ፍርሒ ንኸነዝሕ ዝተሰንዐ ቪድዮ የምስሎ።

ፍርሕን ራዕድን ምዝራእ መቸም ስራሕ ሻዕብያ እዩ። እምበርሲ፡ እዚ ሓርነት ከልብስ ዘይኮነስ፡ ፍርሒ ክንግስ ዝህቅን ቪድዮ፡ ዋንኡ መን ምኳኑ ንምፍላጥ ብዙሕ ላዕልን ታሕተን ዘድልዮ ኣይኮነን።

እቶም ቢተወደድ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ኢልኩም ዝኣመንኩም፡ ደጊምኩም እንተ ሓሰብኩምሉ ይሓይሽ። ያኢ ንሕግን ስርዓትን ልሙድ ኣሰራርሓን ሻዕብያ ብትብዓት ነጺጉ ኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ዝኾነ ሰብ፡ ከመይ ኣቢሉ እዮ ሞ፡ ተመሊሱ ንሕጊ ፍርሑክብለና ትጽበዩ ዘለኹም?

ብስም ስውኣት ባርነት ዘንገሰ እኩይ፡ ባርነት ብስም እሱራት ንኸቀጽል ኣይሕልንን ዩ ዝብል መን እዩ?

5ይ፡ መን ዩ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ዘለዎ? ቢተወደድ ዋላስ ኢሰያስ?

ብዛዕባ በዓል ቢተውደድ እንድዩ ዝዝረብ ዘሎ። መን ዩም በዓል ቢተወደድ? ንሶም፡ ብሻዕብያ ወይ ኢሰያስ ምስ ተጨውዩ ንልዕሊ ዓሰርተ ዕስራ ዓመታት ደሃይ ኣጥፊኦም ይርከቡ። ኣበይ ከም ዘለው ብጭቡጥ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ዋላ ውን ስድራቤቶም።

ብርግጽ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ጭካነ ዝመልኦ ገበን ተፈጺሙን፡ ይፍጸም ውን ኣሎ። ከምቲ እንዳ ሻዕብያ ክእምኑና ዝፍትኑ፡ እሱራት ኣይኮኑን። ብኢሰያስ ዝተጨውዩ እዮም። They are kidnapped። ኣርባዕተ ነጥቢ።

እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ፡ ሓደ ብዓይኒ ሰብኣውነት ዝሓስብ፡ ሕልና ዘለዎ ፍጡር፡ ሎሚ ድሕሪ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት፡ ገበኖም ይጻረ፡ ኣብ ፍርዲ ይቕረቡኢሉ ክጠልብ ይግባእ ?

ሻዕብያን ተቋወምቲ ኢሰያስ ኢና ዝብሉ ምሁራት ሻዕብያን እንተኾኑ፡ ኣብ ፍርዲ ይቅረቡ ኢልና ንኽንጠልብ፡ ዘይጽሕትርዎ ተንኮልን፡ ዘይፍሕርዎ እምንን የለን።

እዚ ኣብዚ ለጢፈዮ ዘለኹ ፖስተር፡ ገለ ተቋወምቲ ኢና ዝብሉ ሃሱሳት ሻዕብያ፡ ኣብ ፌይስቡክ ብሰፊሑ ዝዝርግሕዎ ዘለው እዩ። እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ተንኮል እንታይ ምኳኑ ዘይፈልጡ፡ ሱቅ ኢሎም ዝዝርግሑ ኣለው። ገለ ግን፡ ተቋወምቲ ኢና ዝብሉ፡ ዕሉላት ሃሱሳት ሻዕብያ እዮም።

ኣብቲ ፖስተር ዘሎ ሓረግ፡ ሰናይ ሓሳባት ዝሓቆፈ እዮ። ዓው ኢልና እሱራት ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ዶ ኢልና ንሕተትይብል። እዚ ሓረግ ዚ፡ ኣብቲ ስኑዕ ተባሂሉ ዝንገረሉ ቪድዮ፡ ቢተወደድ ኢልዎ ተባሂሉ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ቪድዮ ብዘየገድስ፡ ከም ሓሳብ ሰናይ እዩ። ቢተወደድ ውን ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ክዛረብ ትጽበዮ ኢኻ።

bitew.demo

እቲ ኣገዳሲ፡ ኣብዚ ሰዓት ዚ ከምዚ ዓይነት ጎስጓስ ምክያድ ንረብሓ መን እዩ? በዓል ቢተወደድ እኮ፡ ኣብ ልዕሊኦም ገበን እዩ ተፈጺሙን ዝፍጸምን ዘሎ። ብገበን ዝሕተቱ ሰባት ኮ ኣይኮኑን። ስለዚ፡ ጉዳዮም ክርአ ኣብ ፍርዲ ይቅረቡ ኢልካ ምዝራብ፡ ተንኮልን ጭካነን እምበር፡ ካልእ ሚስጢር ክህልዎ ኣይክእልን።

በንጻሩ፡ ኢሰያስ እዩ ገበነኛ ኣብ ልዕሊ በዓል ቢተወደድ ዓመጽን ጭካነን ዝፈጸመን፡ ዝፍጽም ዘሎን። ዓለም ውን ንኢሰያስ እያ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት (crime against humanity) ትሓቶ ዘላ እምበር፡ ንበዓል ቢተወደድ ኣይኮነትን።

እምበርሲ፡ ኢሰያስ ደኣሉ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ዘለዎ እምበር፡ በዓል ቢተወደድ ኣይኮኑን። እቲ ጠለብ ህዝቢ እምበኣር፡ በዓል ቢተወደድ ብቅጽበት ናጻ ክልቀቁ፡ ኢሰያስ ድማ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ዝብል ክኸውን ይግባእ። እዚ እዩ እቲ ቁኑዑ፡ መድረኽን ሞራልን ዝጠልቦ ጻውዒት። ራዕድን ምፍርራሕን ሻዕብያን ሃሱሳቱን ዝዓፈኖ ኣፍ ሕብረተሰብና ድማ፡ ብልቡ እዚኣ እያ እታ ድሌቱ። ኢሰያስ ኣብ ፍርዲ ክቀርብን ክሕተትን።

ጭካነን ተንኮልን ሻዕብያ ግን ደረት የብሉን። ኢሰያስ ዘይኮነስ፡ በዓል ቢተወደድ ኣብ ፍርዲ ንኽቀርቡ ዝጠልብ ጻውዒት ህዝቢ ንኽገብር፡ ታሕዲድን ምፍርራሕን ዝተሓወሶ፡ ከምኡ ውን ቪድዮ ቢተወደድኣሰኒኻ፡ ሓያል ጎስጓስ ክካየድ ንዕዘብ። እቲ ግዳይ ኢሰያስ ዝኾነ ቢተወደድ ሲ፡ ከም ጽኑዕ መከላኸሊ ዕሪዲ ኢሰያስ ክጥቀምሉ ንዕዘብ። ካብዚ ዝዓቢ ጭካነን ተንኮልን ሲ ይህሉ ዶ ይኸውን?

እምበኣር እቲ ቢተወደድ ኢልዎ ተባሂሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፡ ንመራጎዲ እዚ እኩይ ዕላማ ሻዕብያ ዘገልግል ዩ ክንብል ንኽእል። ኮይኑ ድማ፡ እቲ ቪድዮ ንምንታይ ተዘርጊሑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብርግጽ ስኑዕ እንተ ኾይኑ ውን፡ መን ከም ዝሰንዖ ንኸተለልዩ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን።

6ይ፡ ወደብ ዓሰብ

ጠንቂ ምኽንያት መእሰሪ ቢተወደድ (ፈለማ ኣብ 1991 ማለት እዩ) እንታይ ምኳኑ፡ እቲ ስኑዕ ምኳኑ ዝንገረሉ ዘሎ ቪድዮ፡ ይሕበር እዩ። ካብ ወደብና ንኢትዮጵያ ነዞም ቀተልትና ንህብ፡ ንዓይ ቅተሉ እየ ኢለዮምብምባል፡ መእሰሪ ምኽንያት ቢተወደድ፡ ምስ ወደብ ዓሰብ ዝተሓሓዝ ምንባሩ፡ እቲ ቪድዮ ይገልጽ።

መቸም ነዚ ሓሳብ ዚ፡ ቢተወደድ ተዛሪብዎ ኢልካ ብቀሊሉ ንኽትቅበሎ ዝከኣል ኣይኮነን። በንጻሩ፡ ነቶም ተሰንዐ ቪድዮ እዩዝብሉ ዘለው ሰባት: ብቀሊሉ ንኽትኣምኖም ዘገድድ እዩ። እዚ ኸኣ ንኽልተ ኣገደስቲ ምኽንያታት እዩ።

6.1) ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ብናጻ ትጠቀመሉ ዶ ኣይትጠቀመሉ ዝብል ክርክር ከም ዝነበረ ብሰፊሑ ዝንገር እዩ። ወደብ ንኢትዮጵያ ንሃባ ዶ ኣይንሃባ ዝብል ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ።

ምሃብን ዘይምሃብን፡ ከም መዛረቢ ኣርእስቲ ኣይነበረን። ክነብር ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ሻዕብያ ወይ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ወደብ ክህቡ ሕጋዊ ልዕልና የብሎምን። ሱቅ ኢልካ ፍርም ኣቢልካ ዝወሃብ ነገር ኣይኮነን። ብዙሕ ክስገር ዘይክእል ረቋሒታት ኣሎ። ካብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክሳብ ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘጠቃልል ዝተሓላለኸ ረቋሒታት።

ዋላ ክትህብ እንተ ደለኻ ዘይከኣል ከሎስ፡ እቲ ናይ ቢተወደድ ቪድዮደኣ ካብ ምንታይ ሓቂ ተበጉሱ እዩ ወደብና ንኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንህብንዝብል ሓሳብ ከቀምጥ ዝመረጸ?

እወ፡ ስምምዕ ተጌሩ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ብናጻ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ። ምናልባት ኣብቲ ስምምዕ ምስሕሓባትን ድርድርን ክነብር ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ጉዳይ ብቀንዱ፡ ኢትዮጵያ ብናጻ ንወደብ ዓሰብ ትጠቀም ዶ ኣይትጠቀም ደኣሉ ክኸውን ዝኽእል እምበር፡ ንሃባ ዶ ኣይንሃባ ዝበሃል ነገር ብፍጹም ክነብር ኣይክእል።

እምበኣር እቶም ኣፎም መሊኦም፡ እቲ ቪድዮ ሓቀኛ እዩዝብሉ ዘለው፡ ቢተወደድ ሓስዩ ከም ተዛረበ ይእመኑ ኣለው ማለት እዩ።

6.2) ቢተወደድ ኢትዮጵያውያን ቀተልትናኢሉ ክዛረብ መቸም ዘይትጽበዮ እዩ።

ሓደ ብፕሮፓጋንዳ ዓይኑ ዝዓወረ፡ ወይ ከኣ ኣብ ርሑቅ ሃገር ዝነብር ሰብ፡ እቲ ኩናት ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝነበረ ኮይኑ ዝተረድኦ፡ ኢትዮጵያውያን ቀተልትናእንተ በለ ዝተሓዞ ኣይኮነን። ሰኣን ኣፍልጦ እዩ።

ቢተወድድ ግን፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ሻዕብያ፡ እሞ ኸኣ ወያኔ ተጋሩ ኣብ ጎኑ ዝወድቁ ዝነበሩ፡ እንታይ እዋኑ ነዚ ሓቂ ዚ ረሲዑ፡ ኢትዮጵያውያን ቀተልትናክብል መሪጹ? እቲ ሽዑስ (ኣብ 1991 ማለት እዩ)፡ እቲ ደም ኳ ዘይነቀጸ ሬሩ።

እዚ ወላ ሓንቲ ትርጉም ክዋሃቦ ኣይክእልን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ቪድዮ ስኑዕ ምኳኑ ንኽንትኣምን፡ ተውሳኺ ምኽንያት ጥራይ ዩ ዘቅርብ።

እቲ ቪድዮ ስኑዕ እንተ ኾይኑ፡ እቶም ሰናዕቱ እንታይ ክረኽቡ ኢሎም ዮም፡ ነዚ ኣነዋሪ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጽልእን ምፍሕፋሕን ዘንግስ ሓረግ፡ ኣብቲ ቪድዮ ከቀምጡ መሪጾም?

ስነሓሳብ ሻዕብያ ህላውነቱ ምስ ጽልኢ ዝተኣሳሰረ እዩ። ብፍላይ ጽልኢ ኣንጻር ኢትዮጵያውያን።

እቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት” (Eritrean Nationalism) ዝብል ኣምር ውን፡ ሕመረት መንቀሊኡ ስነሓሳብ ሻዕብያ ኮይኑ፡ ከም መማቅርቲ ጽልኢ ኣንጻር ኢትዮጵያ እንተ ዘይሓዊስካሉ፡ ትርጉም ይስእን። ባዶሽ ይኸውን።

ኤርትራዊ ሃገራውነት ድሙቅ ኮይኑ ክቕጽል እንተ ኾይኑ፡ ብቀጻሊ ጽልኢ ክትምግቦ ይጠልብ። ጽልኢ እንተዘይመጊብካዮ ግን፡ ፖለቲካዊ ጽምኢ የጋጥሞ ሞ፡ ህጣሙ ንኸጥፍእ ድማ ይግደድ።

ኣብ ዝሐለፉ ሒደት ዓመታት፡ ደምሒት ንኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ጽቡቅ ጌሩ ጽልኢ ክምግቦ ጸኒሑ እዩ። ገፊፎምና ዶ ኣዋልድና ዓሚጾም እንዳ ተባህለ፡ በደልትና ኢትዮጵያውያን ምኳኖም ክንገረና ጸኒሑ እዩ።

ደምሒት ሲ ከይዱ ዓዱ። ዝያዳ ዝተጎድአ ግን፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ። ጽልኢ ዝምግቦ ስለ ዝሰኣነ።

እምበኣር ሲ፡ እቶም ሰናዕቲ ቪድዮ ቢተወደድ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብጽምኢ ጽልኢ ዕጽፍ ኢሉ ኩርምይ ካይብል፡ ኢትዮጵያውያን ቀተልትናዝብል ሓረግ ዘለዎ ቪድዮ ሰንዖም ፈንዮምልና ክኾኑ ይኽእሉ።

እቲ ሆይ ሆይታ ውን፡ እቲ ጽምኢ ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ በዛ ቪድዩ ደጊሙ ስለ ዝጠለለ ክኸውን ይኽእል።

7ይ፡ ዛዛሚ ሓሳባት

ቪድዮ ቢተወደድ፡ ሓቀኛ ድዩስ ስኑዕ፡ ብጭቡጥ ክረጋገጽ ኣይክእልን። 4 ኣብነት ክጠቅስ፦

1) ክልተ ሰባት ሓደ ዓይነት ዛንታ የቅርቡ። ክልቲኦም ኣብዚ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ኣለና፡ ዝብሉ ቤተሰብ ደቂ ዓዲ ሞንጎቲ። ። እቲ ሓደ ሓቀኛ ቪድዮ እዩይብል። ብኣንጻሩ ቲ ካልኣይ፡ ስኑዕ እዩ፡ ብመሰረቱ መደረ ቢተወደድ ኣይኮነንይብል። ንመኖም ይኣምን?

2) ክልተ ሰባት ንቢተወደድ ንፈልጦ ኢና ይብሉ። እቲ ሓደ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ፡ ቢተወደድ ይመስል እምበር፡ ብልክዕ ንሱ ኣይኮነንይብል። እቲ ሓደ ንሱ እዩይብል። ንምኖም ይኣምን?

3)ቲፎዞን ኣንጻርን ኤልሳ ጭሩም ዮም። እንታይ መረጋገጺ ኣለኩምኢልካ ምስ ትሓቶም፡ ኤልሳ እንዳያ ዘርጊሓቶይብልኻ። እቲ ቲፎዞ፡ ሓቀኛ ቪድዮይብል። እቲ ሓደ በንዳሩ ስኑዕ እዩይብል። ነዚኦም እንታይ ትብሎም

4) ሓደ ተጋዳልይ ሻዕብያ ነበር እዩ። ዕሉል ናይ እዝኒ ሓሳዊ ኔሩ። ቢተወደድ ባልጃ ሙልእ ገንዘብ ሒዙ ንኢትዮጵያ ክሃድም ተታሒዙኢሉ ወረ ዝነዝሕ ዝነበረ እዩ። ሎሚ ግምጥል ኢሉ ቢተወደድ ጅግናክብሪ እሱራትናቢተወደድ መጋድልተይዶ እንዳ በለ ተሓምበለ ክብል ንዕዘብ። እዚ ሰብ እዝስ፡ born again ኮይኑ፡ ሓሶት ከም ዝገደፎ ከመይ ጌርና ነረጋግጽ?

ብወገነይ፡ ኣፈይ መሊኤ፡ ሓቀኛወይ ስኑዕ ቪድዮ እዩክብል ፍቃደኛ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ፡ ነዚ ጉዳይ ብጭቡጥ ከረጋግጹለይ ዝኽእሉ ክልተ ረቋሒታት ጥራይ ስለ ዝኾኑ:-

1) ቢትወደድ ነብሱ ክገልጽ እንተ ዝኽእል እሞ፡ ሓቀኛወይ ሓሶትቢሉ ምስ ዝዛረብ

2) ናጻን ዘይሻራውን መጽናዕታዊ ስራሕ ምስ ዝካየድ። 

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነዞም ክልተ ረቋሒታት ከማልእ ዝኽእል ሃዋሁ የለን። ስለዚ፡ ርግጸኛ ኮይንካ ሓቀኛወይ ስኑዕ”  ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን።

ብርግጽ፡ ዝተፈላለዩ ቤላ በለውን ባዶ ሰለስተን ኣለው። ንቀጻሊ ውን ክህልው እዮም። እዚኦም ግን፡ ወረ ጥራይ ድኣምበር፡ ጭቡጥ መረጋገጺ መርትዖ ክኾኑ ኣይክእሉን። 

ብወገነይ፡ ንሰለስተ ኣገደስቲ ምኽንያታት፡ ነቶም ስኑዕ ቪድዮ እዩዝብሉ ሰባት ዝያዳ ንኽኣምን ይድረኽ። 

1) ኣብ ፌስቡክ ዘቅረብከዎ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ ገለ ኣገደስቲ ቃላትን ሓረጋትን፡ ቢተወደድ ኢልዎ ኢልካ ንኽትኣምን ዘጸግሙ ከም ዝኾኑ ከርኢ ፈቲነ። ብልክዕ ሓርነት ዝዕፍኑ፣ ምስሉይነት ዘንጸባርቁ፣ ፍርሒ ዘንግሱን ንጽልኢ ዝዕድሙን እዮም። እዚኦም ድማ፡ ንቃልሲ ሓርነት ዝድግፉን ዘተባብዑን ዘይኮኑስ፡ ንረብሓ ኢሰያስ ወይ ሻዕብያ ዘገልግሉ ኮይኖም ረኺበዮም። እምበኣርከስ፡ ብሻዕብያ ዝተሰነዐ ክኸውን ይኽይል ዩ ዝብል መደምደምታ ንኸቀምጥ ተገዲደ።

2)ኣብ ገጻት ፊስቡክ ዝተገብረ ናይ ሓሳብ ልውውጥ፡ ሓቀኛ ቪድዮ ወይ ስኑዕምባል ከም ተሪር ፖለቲካዊ መርገጺ ክውሰድ ንዕዘብ። ብፍላይ እቶም ሓቀኛ ቪድዮ እዩዝብል መርገጺ ዝሓዙ ሰባት፡ ምጉብዕባዕን ምፍርራሕን ዝተሓወሶ፡ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ተዓዚበ። ሓቀኛ እንተ ኾይኑስ፡ ክንድዚ ኣከራኻሪ ክኸውን እንታይ ኣድለየ? ስለዚ እምበር፡ እሞ እዛ ጉዳይ 60 ዳኣ ካይትህልዋ? እታ ቪድዮ ተሰኒዓ ደኣ ካይትኸውን?” ንኽትብል ትግደድ።

3)እቶም ርግጸኛ ኮይኖም ስኑዕ ቪድዮ እዪዝበሉ ሰባት፡ ብወግዒ ንኽምስክሩ ዛጊት ፍቃደናታት  ኣይኮኑን። ፍርሒ ኣብ ገጾም ውን ኣምቢበ። ፍርሖም ካብ ሻዕብያ ምኳኑ ውን ክፈልጥ ኪኢለ። ስለዝስ፡ ሻዕብያ ኣብ ምስናዕ እዛ ቪድዮ ኢድ ኣለዎ ኢልካ ንኽትኣምን ትግደድ።

ብቀንዱ፡ ሓቁነቱ ዘተረጋገጸ ቪድዮ ጢል ጢል ኣቢልካ፡ ቢተወደድ ከምዚ በለ ዶ ከምቲ ምባል፡ ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ቢትወድድ ድርብ ዓመጽ ምፍጻም እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ቴክኖሎጂ እንታይ ዘይስንዕ? ቪድዮ ይስንዕ። ሰነድ ይስንዕ። ኩሉ ይስንዕ። 

ዝያዳ ዘሕዝን ድማ፡ ቢተወደድ ንዓመታት ደሃይ ኣጥፊኡ ከይኣክል ሲ፡ እዚ ዶ እቲ ኢሉ ኢልካ፡ ጸቢብን ኣነዋርን ፖለቲካዊ መኽሰብ ከተኻዕብት ምፍታን እዩ። ብሓቂ ዚ፡ ዘሕፍርን፡ ርኡይ ሞራላዊ ውድቀትን እዩ።

ተቃላሳይ ሓርነት፡ ንመሰል ቢተወደድ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ግናኸ፡ ቢተወደድ ኣብ ሓደ እዋን ገለ ኢሉ ስለ ዝተዛረበ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ወይ ጀነራል ሻዕብያ ስለ ዝነበረ ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ጉዳይ ብቀንዱ፡ ሰብኣውነትን ሞራላዊ ክብርን ዝደረኾ፡ ኣድማሳዊ ናይ መሰል ሕቶ ስለ ዝኾነ።  

ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ቢተወደድን ካልኦትን፡ ከቢድ ዓመጽ ተፈጺሙን ይፍጸምን ኣሎ። ጠለብ እቲ ሓቀኛ ተቃላሳይ ሓርነት ድማ ንጹር እዩ። ብዘየገድስ እንታይ ኢሎም ወይ እንታይ ኔሮም፡ ጥራይ ብቅጽበት ናጻ ክልቀቁ ዝብል እዩ።

ግዜኹም ወፊኹም ዘንበብኩምኒ፡ ብዙሕ ምስጋና!!!

One thought on “ሆይ ሆይታ ኤርትራውያንን፡ ቪድዮ ቢተወደድ ኣብርሃን 

  1. ከማኻ ይብዝሑ ዩኤል ምኽንያቱ ን ነገራት ብቡዙሕ ሸነኻት ክንሪእዮ ይሕግዘና። ን ከምዚ ከማይ ከኣ
    “ዓይኒ ዘለዎ ይርአ፡ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ይብል ፡ እምበር እኳ ዚረአናዮ ገዲፍና ብ03 እና እንህውትት

    Like

Leave a reply to Abraham Cancel reply